ምክልኻልን መርመራን መንሽሮ፡ ፕሮግራም መንሽሮ ዞባ ዋተርሉ ዌሊንግተን ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ከተኩረሎም ዝደሊ ቁልፊ መዳያት እዮም።
ኣስታት ፍርቂ (50 ሚእታዊት) ካብቶም መንሽሮታት ቅድሚ ጸገም ጥዕና ምዃኖም ብኣግኡ ክከላኸሉ ወይ ክፍለጡ ይኽእሉ።
መርመራ መንሽሮ ጡብ፣ ማህጸንን መዓንጣን ኣብ ምክልኻልን ብኣግኡ ምፍላጥን ቁልፊ ተራ ኣለዎ። ሰባት ዝኾነ ምልክት መንሽሮ ኣብ ዘይህልዎም እዋን መርመራ ይገብሩ። ዕላማ መርመራ መንሽሮ ቅድሚ መንሽሮ ዝመጽእ ለውጢ ወይ ዝተወሰኑ መንሽሮታት ብኣጋኡ ንምፍላጥ እዩ።
ኦንታርዮ ንሰለስተ ዓይነት መንሽሮ ናይ መርመራ መደባት ትህብ፤
