ብዛዕባ እዚ ጸጋ
ደራሲ፡ ፕሮግራም መንሽሮ ዞባ ዋተርሉ ዌሊንግተን
ዝተመሓየሸ፡ ታሕሳስ 2023
ቅድሚ ብኣካል፡ ብተሌፎን ወይ ብቪድዮ ቆጸራኻ፡ መርመራ ምልክታት ብኢንተርነት ምልኣዮ። ብዛዕባ እቶም ዘገድሱኻ ምልክታት ምስ ጋንታኻ ተዘራረብ።
ምልክታትካ ኣገዳሲ (YSM) ምልክታት መንሽሮ ንምሕባር ጽቡቕ መገዲ እዩ። ብዙሕ ቆጸራታት ብተሌፎን ወይ ብቪድዮ እዩ። YSM ምምላእ ቅድሚ ቆጸራኹም ምሉእ ስእሊ ጥዕናኹም ይህበና።
ጸብጻብ ምልክታትካ ኣብ እዋን ቆጸራኻ ጥራይ እዩ ዝምርመር። ህጹጽ ምልክታት እንተሃልዩካ፤
ኣብ ኮምፒተርና ወይ ስልክና ምልክታት መርመራ ንምግባር 2 ቀለልትን ውሑሳትን መገድታት ኣለዉ፤
ወይ
ቁጽሪ OHIP ኣእትዉ እሞ 'start' ጠውቑ። ሕቶታት መልሱ እሞ 'continue' ዝብል ጠውቑ።
ነዚ ጸጋ ንሓበሬታኻ ጥራይ ተጠቐመሉ። ካብ ሓኪምካ ወይ ካልኦት ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ዝመጽእ ሕክምናዊ ምኽሪ ዝትክእ ኣይኮነን።
ኢመይል ፡ cancerpatiented@ wrhn .ca
መርበብ ሓበሬታ ፡ www.cancerwaterloowellington.ca