ብዛዕባ እዚ ጸጋ
ደራሲ፡ ፕሮግራም መንሽሮ ዞባ ዋተርሉ-ዌሊንግተን
ዝተኸለሰ፡ ጥሪ 2020
መብዛሕትኡ ግዜ ንሕክምና መንሽሮ ስቴሮይድ ዝበሃሉ ደገፍቲ መድሃኒታት የድልዮም። ልሙድ ኣስማት ናይዞም መድሃኒታት፤
ስቴሮይድ ኣብ ደምካ ዘሎ መጠን ሽኮር ክውስኽ ይኽእል። ሽኮር ደም ምቁጽጻር ንሕውየትካን ንጥዕናኻን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ስቴሮይድ ምስ ምውሳኽ ሽኮር ደም ዘይተኣሳሰር ጎናዊ ሳዕቤናት እውን ኣለዎም እዚ ድማ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል። እዚኦም ድማ ምውሳኽ ጥሜት፡ ምውሳኽ ክብደት ሰብነት፡ ሕበጥ፡ ስክፍታ ድቃስን ምቅይያር ስሚዒትን ይርከብዎም። እዚኦም ኣብ ዝቕጽል ምብጻሕካ ምስ ጉጅለ ክንክን ጥዕናኻ ክትዘራረብ ኣለካ።
ሕማም ሽኮር እንተዘይኮይንካ ግን ሽኮር ኣብ ደምካ ልዑል እንተኾይኑ ስቴሮይድ ዝመጽእ ሕማም ሽኮር ከምዘለካ ክትፍለጥ ትኽእል ኢኻ። ጉጅለ ክንክን ጥዕናኻ ናብ ማእከል ትምህርቲ ሕማም ሽኮር ክውከሰካ ይኽእል እዩ። ኣብ ገዛኻ መጠን ሽኮር ደምካ ንምክትታል ዘድልየካ ክእለት ክምህሩኻን ኣብ እዋን ፍወሳኻ ጽቡቕ ክትጸንሕ ክሕግዙኻን እዮም።
ዓይነት 1 ወይ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር እንተሃልዩካን ስቴሮይድ ትወስድ እንተኾንካን፡ መጠን ሽኮር ኣብ ደምካ ኣብቲ ዝመኽረካ ደረጃ ንምቕማጥ ዝያዳ ክኸብደካ ይኽእል እዩ። ንሓኪም ስድራቤትካ ወይ ንሓኪም ኢንዶክሪኖሎጂ ብዛዕባ ውጥን ሕክምና መንሽሮኻ ከተፍልጥ ክትግደድ ኢኻ፡ ምእንቲ ንሳቶም መድሃኒታትካን ምክትታል ሽኮር ደምካን ከስተኻኽልዎ።
ካብዞም ምልክታት ዝኾነ እንተ ኣጋጢሙካ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናብ ጉጅለ ክንክን ጥዕናኻ ናብቲ ማእከል መንሽሮ ምድዋል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ካርቦሃይድሬት ንኣካላዊ ምንቅስቓስን ግቡእ ስራሕ ኣካላትን ዘድልዮ ጸዓት ንምሃብ ኣገዳሲ እዩ። ካርቦሃይድሬት ኣብ፤
መድሃኒታት ክስተኻኸሉ ወይ ኣብ ልምድኻ ክውሰኹ ይኽእሉ ሽኮር እንተድኣ፤
መዝገብ ምዕቃብ መዓስ ምስ ነርስ ክሊኒክካ ወይ ምስ መምህር ሕማም ሽኮር ክትራኸብ ከም ዘለካ ንኽትፈልጥ ይሕግዘካ።
ንሓኪም ክንክን መንሽሮኻ ከይተወከስካ ስቴሮይድ መድሃኒትካ ምውሳድ ፈጺምካ ኣይተቋርጽ።
ዝኾነ ስክፍታ እንተሃልዩካ ንጋንታ ክንክን ጥዕናኻ ክትሓትት ድሕር ኣይትበል።
ስልኪ ፡ 519-749-4380
ሰኑይ-ዓርቢ ካብ ሰዓት 8፡30 ንግሆ – 4 ድሕሪ ቀትሪ
40 ግሪን ሴንት ኪቸነር፡ ኦን ካውፍማን ህንጻ 5ይ ደርቢ።
ሰኑይ-ዓርቢ ካብ ሰዓት 8 ንግሆ – 4 ድሕሪ ቀትሪ
ስልኪ ፡ 519-749-4300 ደ. 2622 ዓ.ም.ፈ
ፋክስ ፡ 519-749-4317
ነዚ ጸጋ ንሓበሬታኻ ጥራይ ተጠቐመሉ። ካብ ሓኪምካ ወይ ካልኦት ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ዝመጽእ ሕክምናዊ ምኽሪ ዝትክእ ኣይኮነን።
ኢመይል ፡ cancerpatiented@ wrhn .ca
መርበብ ሓበሬታ ፡ www.cancerwaterloowellington.ca